ኣብዚ ሐድሽ ከተማ መጺእካ ናብራኻ ንኸትጅምር ናይ ቶሮንቶ ቤት ንባብ ነጻ ናይ ዝዀኑ ኣገልግሎት የወፊ።

ናባና ምስ እትመጽእ:

  • ናይ ቤት ንባብ ፍቓድ (library card) ኣውጽእ፣ ኣገልግሎት ብነጻ እዩ፣ እቲ ናይ ቤት ንባብ ፍቓድ ንኸተውጽእ 2 መንነትካ ዝሕብሩ ወረቓቕቲ ኣቕርብ፣ እቲ ሐደ ኣድራሻኻ ዝሕብር ክኸውን ኣለዎ
  • ኣብ ኩለን 100 ቤት ንባብ ቅርንጫፋት ነጻ ኮምፕዩተር (computer) መርበብ (Internet access) ክትጽሕፈሉ አትኽእል (wordprocessing) ከምኡውን ብዙሐት (database) ተጠቀም
  • ናይ ነጻ ዝኾነ መርበብ ኮምፒዩተር ነጻ (WIFI) ኣብ ኩለን ቤት ንባብ ቅርንጫፋት ተጠቐም
  • መጽሐፍትን ምርኢትን (books movies and more) ከምኡውን ካልኦት ናይ ቤት ንባብ ንብረት ንምልቃሕ፣ ብኣካል ብምኻድን ብኢንተርነት (online) ኣብ ኩለን ቅርንጫፋት ካብ 40 ንላዕሊ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ተዘርጊሑ ይርከብ
  • ምስ ተቐበልቲ ኣጋይሽ (settlement worker) ምስእትራኸብ ንስራሕ ምርካብ ይኹን ፍቓድ ናይ ማኪና ምዝዋር ንምሐዝ ሐገዝ ይገብሩልካ
  • ቋንቋ እንግሊዝ ንምምሃርን ንምምሕያሽን ኣብ ትምህርቲ ተኻፈል (learn and practice English)
  • ንቖልዑትን ንዓበይትን ከምኡ እውን ቋንቋ እንግሊዝ ጀመርቲ ንዝዀኑ፣ ብኮምፒተር ዝተሐላለፍ ሓበሬታ (electronic resources for adults and children) ምጽዓን
  • ናብቲ ዝተፈላለዩ ኣርእስቲ ዝሐዘ ትምህርታዊ ውጥን (programs)፣ ከመይ ጌርካ ንእሽተይ ትካል ከምእትጅምር ዝሕብርን ናይ ቆልዑት ዛንታታት ዝንገረሉ ግዜን፣ ስራሕ ኣደላልያ ዝሕብር ፕሮግራም ምጻእ
  • ምስ ኣስታት ኣብ 100 ቅርንጫፋት (100 branches) ዝሰርሑ ናይ ቤት ንባብ ኣባላት ተራኸብ። ብትጽቢት ንዝህልወካ ሕቶታት ንኽንተሐባበረካ ሃንቀው ንብል። ምስ ብዙሐት ናይ ተፈላለየ ቋንቋ ተርጎምቲ እውን ርክብ ኣሎና።

ብስም ኩሎም ናይ ቶሮንቶ ህዝባዊ ቤት ንባብ ኣባላት ኣብ ሐጺር ግዜ ንኸንርእየካ ንህንጠን አቲ ዘለና ሐበሬታን ትሕዝቶን ምሳኻ ክንካፈሎን ንስኻ እውን ዕውት ክትከውንን ንምነ”